Söderhamn Nära

ብተደጋጋሚ ዝሕተቱን መልስታቶምን ብዛዕባ ሰደርሃምን ናራ (Söderhamn NÄRA)

ቑጦባ

ሕቶ: ኣነ ኣብ መወዳአታ ናይ ሓምለ ናብ ካልእ ኣድራሻ ቐይረ ስለምንታይ ናይ ነሓሰ ቕብሊት መጺኒ፣
መልሲ: ሓደ ሰብ ኣገልግሎት ምስ ረኸበእዩ ቕብሊት ዝኸፍል ። ስለዚ አዩ ድማ ቕብሊት ናይ ሓምለ ኣብ ነሓሰ ክትከፍል ትሕተት። ኣብ ቕብሊት ውን ሓበሬታ ተጻሒፉ ኣሎ ።

ሕቶ: ናይ መጨረሽታ ዝኽፈለሉ መዓልቲ ፣
መልሲ: ክሳብ እዛ መዓልቲ እዚኣ ጥራይ ናብ ሰደርሃምን ናራ Söderhamn NÄRA ክትከፍል ከም ዘለካ።

ሕቶ: ክፍሊት ክከፍል አንተ ዘይ ኪኢለ አንታይ የጋጥመኒ፣
መልሲ: ክሳብ ናይ መጨረሽታ መዓልቲ ክትከፍሎ አንተ ዘይ ኪኢልካ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ክትከፍሎ ኣለካ ዝብል መተሓሳሰቢ ደብዳበ ይመጻካ። ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ዝተዋህበካ ክትከፍል ተዘይ ኪኢልካ ናብ ኢንካሶ (inkasso) ዝተባህለ ትካል ብዝተፈላለየ ኣገባብ ገንዘብካ ወሲዱ ከም ትኸፍል ዝገብር ትመሓላለፍ። ስለዚ ድማ ንኢንካሶን ንሰደርሃምን ናራን ክትከፍል ትግደድ። እዚ ብዘይ ምግባርካ ድማ ካብ ኣገልግሎት ኤለክትሪክን ኢንተርነትን ትሕረም ክሳብ ቕብሊትካ ትኸፍል።

ሕቶ: ብኸመይ ይጥቀመሉ ኣውቶይሮ (autogiro)
መልሲ: ካብ ባንክ ካርድኻ ኣብ ናይ መወዳአታ መዓልቲ ኣብ ግዜኡ ኣውቶማቲክ ይወስድዎ። ኣብ ካርድኻ ገንዘብ ክጸንሕ ግድነት እዩ። ኣብ ባንክ ካርድኻ ገንዘብ አንተ ዘይ ጸኒሑ ናይ 60 ክሮነር መቕጻዕቲ ይመጻካ። ናይ መቕጻዕቲ ክፍሊት ኣብ ናይ ዝስዕብ ወርሒ ቕብሊት ይመጻካ።

 

ኢንተርነት

ሕቶ: ናይ ሽወደን ታሴራ ወይ መለለይ ቑጽሪ ተዘይ ብለይ ብስመይ ኢንተርነት ክእቱ ይከኣል ዶ፣
መልሲ: ነኖእ, ግድን እቲ ናይ ሽወደን ግላዊ መለለይ ቑጽሪ ምስ ቶም ዳሕረዎት ኣርባዕተ ቑጽሪ ክህልወካ ኣለዎ።

ሕቶ: ውዕል ናይ ኢንተርነት ምስ ሰደርሃምን ናራ ክመልእ ከለኹ ምሳይ ክማልኦ ዘለኒ እንታይ ኣሎ።
መልሲ: ማዓልቱ ዘይ ወደቐ መንነት።
ናይ ገዛ ውዕል ወረቕት, ኣበየናይ ቑጽሪ ገዛ ከም ዘለኻ ንምፍላጥ። እቲ ገዛ ናይ ፋክሰሁልመን እንተ ደኣ ኮኢኑ ኣብ መፍትሕ ገዛኻ ውን ቑጽሪ ገዛኻ ተጻሒፉ ኣሎ። ቕጽሪ ገዛ ዘድልየና ኣበየናይ ገዛ ኢንተርነት ከም ንእቱ ስለ ዝሕግዘና።

ሕቶ: ኣነ ኣብ ዘይ ቕመጠሉ ገዛ ውዕል ኢንተርነት ክገብር ይፍቐደኒ ዶ፣
መልሲ: ነኖእ, ኣብቲ ናይ ውዕል ስምምዕ ዝገበርካሉ ገዛ ጥራይ አዩ ዝፍቐደካ።

ሕቶ: መስመር ኢንተርነት ብዘይ ገመድ ዋይፋይ(WiFi) ብኸመይ ይረክብ።
መልሲ: ዋይፋይ (WiFi) ንምጥቓም ባዕልኻ ራውተር(router) ዝበሃል መሳርሒ ክትገዝእ ኣለካ። ኣብ ከም ቲቪ ዝሽየጠሉ ቦታ(እንዳ ኤለክትሮኒክ) ድማ ይርከብ።

ሕቶ: ስለምንታይ ከ ምስራሕ ይኣቢ።
መልሲ: እዚ ዝተፈላለየ ምኽንያት ክህልዎ ይኽእል።
1. ቕብሊት ዝተገልገልካሉ ተዘይ ከፊልካ መስመር ኣገልግሎት ኣይወሃበካን።
2. ጉድለት ናይ ላብቶብካ ወይ ራውተርካ ክኸውን ይኽእል እዩ።
3. ናይ መስመር ብልሽት ኣብ ሰደርሃምን ናራ ክከውን ውን ይኽእል እዩ። ስለዚ በዚ ቑጽሪ ደዊልኩም ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ። ቴለ. 0270-199 99.

ሕቶ: ኣየናይ ኢንተርነት ኣቦኖማንግ ኣነ ክመርጽ ይክእል
መልሲ: ሶደርሃም ናራ ኣለዎም ሰለስተ ኣማራጺ ዝተተሓሓዘን ኣበየናይ ከም ተደሊ እቲ ምክንያት ኣበይ ከም ትቅመጥ እዩ.ኢንተርነት ብመንገዲ kabel Tv och fiber-LAN ምጥላብ ንናይ ገዛካን ንዘይንቀሳቀስ ንበረትን ተተሓሓዘ ናብ ሶደርሃም ናራ ናይ ከተማ Network,እንድሕር ዘይብልካ ዋላ ሓደ ዘይተተሓሓዘ ትክእል ኢካ ክትቅርብ ብመገዲ ADSL መደብ ገመድ ናይ ኤሌትሪክ ምዝርጋሕ ኣብ መንደቅ፣

ምትሕሓዝ ብመንገዲ kabel-Tv –modem ከም ምጥቃም kabel Tv ኢንተርነት ናብ internetkommunikation ክትመርጽ ትክእል ካብዚ ንብረት 0,5MB 8 MB ,30 MB , መዓስ ኢካ ብክታም ክትሕብር ናትካ abonnemang ክመጸካ ናይ ሓደ ግዜ ዋጋ 400 kronor ናይ ኢንተርነት፣ ክትከፍሎ ተክእል ኢካ ብካርዲ ኣብቲ ናትና reception ወይ ኣብ ቲ ዋጋ ናትካ ፋክቱር ካልኣይ ገጽ፣ ውዕል ግዜ 1 ወርሓዊ ካላንደር

ጥቃ LAN-መራከቢ ኣይትደልን ደካ ኢንተርነት ንከነተሓሕዘልካ ፣ነቲ መራከቢ ክንገብሮ ቀጥታ ምስ ሓደ nätverkskabel ኣብ ናይ ኮምፒተር መስመር፣ክትመርጽ ትክእል ካብዚ ንብረት 0,5 0,5MB 10,10 MB 30,10 MB.100,10MB och 100,100MB.

ዋላ ሓደ ናይ መራከቢ ክፍሊት ዋጋ፣ውዕል ግዜ 1 ወርሓዊ ካላንደር፣

ጥቃ ADSL መራከቢ ምምጻእ ሓደ ናይ መጀመርያ ዋጋ 1295 kronor ፣ናይ ኢንተርነት ዋጋ እትው ፣

ግዜ 12 ኣዋርሕ ድሕሪኡ 1 ወርሓዊ ካላንደርን ውዕል ግዜን፣ከተጋጣጥሞ ን ኣቦኖማን ትክእል ክትወስድ ካብ 7-10 መዓልታት፣ብመገዲ ተሌፎን ዓሚል ትከውን እንድሕር ክትሓሓዝ ኮይኑ ቦታ ክሕዝ ምክንያቱ ኣገዳሲ እዩ ንስካ ተሌፎን ክትምልስ፣ እቲ ስምምዕ ክመጸካ የክእልዩ ብ ሓደ dolt ቁጽሪ፣

 

ኤሌክትሪክ

ሕቶ: ስለምንታይ ኣብ ወርሒ ክልተ ቕብሊት ናይ ኤለክትሪክ ይመጻኒ።
(ሓደ ካብ ሰደርሃምን ናራ ካልኣይ ከኣ ካብ ያቭለ ኤነርጂ)
መልሲ: እቲ ብሰደርሃምን ናራ ዝውነን ኩሉ ሰብ ዝኸፍሎ ውሱን ዋጋ ዘለዎ እዩ።
መስመር ኤለክትሪክ ካብ መመንጨዊ ንቑጣ ናብ ገዛኻ ይውሕዝ (ቕብሊት ካብ ሰደርሃምን ናራ ይመጽእ).
ክፍሊት ናይ ኤለክትሪክ ካብቲ ኣብ ወርሒ ዝህለኽካዮ ጸዓት እዩ ዝኽፈል።
ቕብሊት ኤለክትሪክ ካብ በዓል መዚ ኤለትሪክ ሰደርሃምን ናራ ወይ ካብ ካልኦት ወነንቲ መዚ ኤለክትሪክ ውን ክመጽእ ይኽእል አዩ።

ሕቶ: ካብ በዓል መዚ ኤለክትሪክ ብዛዕባ ውዕል ክራይ ጸዓት ዝምላአ ፎርም ደብዳበ መጺኒ። ግድን ድዩ ክመልኦ ሀለኒ።
መልሲ: ነኖእ, ግን ሓደ ክትመርጽ እንተዘይ ኪኢልካ ባዕልና ከም ንመርጸልካ ክትፈልጥ ኣለካ።
አቲ ባዕልኻ ትመርጾ ሃልኪ ኣብቲ ፎርም ዘሎ ምርጫ ዝኸበረ ምኻኑ ክትፈልጥ ኣለካ።
ንዝኣተኻዮ ውዕል ናይ 1, 2 ወይ 3 ዓመት ንምቕያር ክትፈርሕ የብልካን።
ገዛ ክትቕይር ምስ ትደሊ ነቲ ውዕል ንምስራዝ ክትሕብር ኣለካ።

 

ምቅያር

ሕቶ: እንድሕር ናይ ግድን ክትቅይር ኮይንካ እንታይ ክገበር ኣለኒ
መልሲ: ንስካ ናይ ግድን ከትስምዓና ን ሶደርሃም ናራ እንድሕር ንስካ ናብ ካልእ ገዛ ትቅየር ኮንካ፣ኣይፈለጥናን ንሕና ከም ዝቀየርካን

ዝክፈል ገንዘብ ናይ ኤሌትሪክ ,ገመድ m,m ከምኡ ውን ናይ ቀደም ኣድራሻካ ፣ከም ትቅይር ምምልካት ኣብ hemsida ክትገብሮ

ቀሊል እዩ፣እንተዘይ ኮይኑ ትድውል ናብ ናይ ዓሚል ሰርቢስ ወይ ናባና መጺካ ክትረኦ ኣብ Stabbläggaregatan 11,

ክትቅይር ምስ ቀረብካ ብዛዕባ ናይ ክራይ ገዛ ኩንትራት uppsägningstid,

ሕሰብ ክትመልሶ እቲ ሓድሽ ናትካ ፋክቱር ኣድራሻ እንተዘይ ኮይኑ ኣይመጸካን እዩ ከም ዝቀየርካ ፋክቱር ካብኡ እቲ ምክንያት ክከውን ይክእልዩ ዘየድሊ ተወሳኪ ዝክፈል ንዓካ ከም ዓሚል።

 

ጌጋ ምምልካት

ሕቶ: ኣነ እንድሕር ጸገም ረኪበ ናይ መውዓይ፣ማይ፣ናይ Tv ገመድ ወይ ኢንተርነት።

መልሲ: ጸገም እንድሕር ኣሎ ናትካ ኣካራይ ከም ዘገድስ መውዓይ ፣ማይ ናይ TV ገመድ፣ምርካብ ምስ ኣካረይቲ, ብዛዕባ ኢንተርነት ዝምልከት፣ደውሉንና በዚ ተሌፎን 0270-199 99።

 

ኣብዚ ብምጥዋቕ ናብ ሶደርሃምን ናራ Söderhamn Nära ዌብ ሳይተን ክትኣትዉ ትኽእሉ። External link, opens in new window.