Söderhamn Nära

ብተደጋጋሚ ዝሕተቱን መልስታቶምን ብዛዕባ ሰደርሃምን ናራ (Söderhamn NÄRA)

ቑጦባ

ሕቶ: ኣነ ኣብ መወዳአታ ናይ ሓምለ ናብ ካልእ ኣድራሻ ቐይረ ስለምንታይ ናይ ነሓሰ ቕብሊት መጺኒ፣
መልሲ: ሓደ ሰብ ኣገልግሎት ምስ ረኸበእዩ ቕብሊት ዝኸፍል ። ስለዚ አዩ ድማ ቕብሊት ናይ ሓምለ ኣብ ነሓሰ ክትከፍል ትሕተት። ኣብ ቕብሊት ውን ሓበሬታ ተጻሒፉ ኣሎ ።

ሕቶ: ናይ መጨረሽታ ዝኽፈለሉ መዓልቲ ፣
መልሲ: ክሳብ እዛ መዓልቲ እዚኣ ጥራይ ናብ ሰደርሃምን ናራ Söderhamn NÄRA ክትከፍል ከም ዘለካ።

ሕቶ: ክፍሊት ክከፍል አንተ ዘይ ኪኢለ አንታይ የጋጥመኒ፣
መልሲ: ክሳብ ናይ መጨረሽታ መዓልቲ ክትከፍሎ አንተ ዘይ ኪኢልካ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ክትከፍሎ ኣለካ ዝብል መተሓሳሰቢ ደብዳበ ይመጻካ። ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ዝተዋህበካ ክትከፍል ተዘይ ኪኢልካ ናብ ኢንካሶ (inkasso) ዝተባህለ ትካል ብዝተፈላለየ ኣገባብ ገንዘብካ ወሲዱ ከም ትኸፍል ዝገብር ትመሓላለፍ። ስለዚ ድማ ንኢንካሶን ንሰደርሃምን ናራን ክትከፍል ትግደድ። እዚ ብዘይ ምግባርካ ድማ ካብ ኣገልግሎት ኤለክትሪክን ኢንተርነትን ትሕረም ክሳብ ቕብሊትካ ትኸፍል።

ሕቶ: ብኸመይ ይጥቀመሉ ኣውቶይሮ (autogiro)
መልሲ: ካብ ባንክ ካርድኻ ኣብ ናይ መወዳአታ መዓልቲ ኣብ ግዜኡ ኣውቶማቲክ ይወስድዎ። ኣብ ካርድኻ ገንዘብ ክጸንሕ ግድነት እዩ። ኣብ ባንክ ካርድኻ ገንዘብ አንተ ዘይ ጸኒሑ ናይ 60 ክሮነር መቕጻዕቲ ይመጻካ። ናይ መቕጻዕቲ ክፍሊት ኣብ ናይ ዝስዕብ ወርሒ ቕብሊት ይመጻካ።

ሕቶ: ኣነ ገዛ ኣብ ዝቐየርኩሉ ግድን ድዩ ንሰደርሃምን ናራ ክሕብር ዘለኒ፣
መልሲ: እወ። ምኽንያቱ ገዛ ከም ትቕይር ኣይንፈልጥን ኢና ስለዚ ድማ እዩ ሃልኪ ኤለክትሪክን ኢንተርነትን ናይ ቐዳማይ ገዛኻ ክትከፍሎ ዘለካ። ሓበሬታ ናይ ምቕያር ገዛ ብቐሊል መንገዲ ቢንተርነት ክፍጸም ይከኣል አዩ። ተዘይ ኮይኑ ደውሉልና ወይ ብጽሑና ኣድራሻና ኣብ ስታብሌጋረጋታን 11 (Stabbläggaregatan 11) እዩ።

ኢንተርነት

ሕቶ: ናይ ሽወደን ታሴራ ወይ መለለይ ቑጽሪ ተዘይ ብለይ ብስመይ ኢንተርነት ክእቱ ይከኣል ዶ፣
መልሲ: ነኖእ, ግድን እቲ ናይ ሽወደን ግላዊ መለለይ ቑጽሪ ምስ ቶም ዳሕረዎት ኣርባዕተ ቑጽሪ ክህልወካ ኣለዎ።

ሕቶ: ውዕል ናይ ኢንተርነት ምስ ሰደርሃምን ናራ ክመልእ ከለኹ ምሳይ ክማልኦ ዘለኒ እንታይ ኣሎ።
መልሲ: ማዓልቱ ዘይ ወደቐ መንነት።
ናይ ገዛ ውዕል ወረቕት, ኣበየናይ ቑጽሪ ገዛ ከም ዘለኻ ንምፍላጥ። እቲ ገዛ ናይ ፋክሰሁልመን እንተ ደኣ ኮኢኑ ኣብ መፍትሕ ገዛኻ ውን ቑጽሪ ገዛኻ ተጻሒፉ ኣሎ። ቕጽሪ ገዛ ዘድልየና ኣበየናይ ገዛ ኢንተርነት ከም ንእቱ ስለ ዝሕግዘና።

ሕቶ: ኣነ ኣብ ዘይ ቕመጠሉ ገዛ ውዕል ኢንተርነት ክገብር ይፍቐደኒ ዶ፣
መልሲ: ነኖእ, ኣብቲ ናይ ውዕል ስምምዕ ዝገበርካሉ ገዛ ጥራይ አዩ ዝፍቐደካ።

ሕቶ: መስመር ኢንተርነት ብዘይ ገመድ ዋይፋይ(WiFi) ብኸመይ ይረክብ።
መልሲ: ዋይፋይ (WiFi) ንምጥቓም ባዕልኻ ራውተር(router) ዝበሃል መሳርሒ ክትገዝእ ኣለካ። ኣብ ከም ቲቪ ዝሽየጠሉ ቦታ(እንዳ ኤለክትሮኒክ) ድማ ይርከብ።

ሕቶ: ስለምንታይ ከ ምስራሕ ይኣቢ።
መልሲ: እዚ ዝተፈላለየ ምኽንያት ክህልዎ ይኽእል።
1. ቕብሊት ዝተገልገልካሉ ተዘይ ከፊልካ መስመር ኣገልግሎት ኣይወሃበካን።
2. ጉድለት ናይ ላብቶብካ ወይ ራውተርካ ክኸውን ይኽእል እዩ።
3. ናይ መስመር ብልሽት ኣብ ሰደርሃምን ናራ ክከውን ውን ይኽእል እዩ። ስለዚ በዚ ቑጽሪ ደዊልኩም ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ። ቴለ. 0270-199 99.

ኤሌክትሪክ

ሕቶ: ስለምንታይ ኣብ ወርሒ ክልተ ቕብሊት ናይ ኤለክትሪክ ይመጻኒ።
(ሓደ ካብ ሰደርሃምን ናራ ካልኣይ ከኣ ካብ ያቭለ ኤነርጂ)
መልሲ: እቲ ብሰደርሃምን ናራ ዝውነን ኩሉ ሰብ ዝኸፍሎ ውሱን ዋጋ ዘለዎ እዩ።
መስመር ኤለክትሪክ ካብ መመንጨዊ ንቑጣ ናብ ገዛኻ ይውሕዝ (ቕብሊት ካብ ሰደርሃምን ናራ ይመጽእ).
ክፍሊት ናይ ኤለክትሪክ ካብቲ ኣብ ወርሒ ዝህለኽካዮ ጸዓት እዩ ዝኽፈል።
ቕብሊት ኤለክትሪክ ካብ በዓል መዚ ኤለትሪክ ሰደርሃምን ናራ ወይ ካብ ካልኦት ወነንቲ መዚ ኤለክትሪክ ውን ክመጽእ ይኽእል አዩ።

ሕቶ: ካብ በዓል መዚ ኤለክትሪክ ብዛዕባ ውዕል ክራይ ጸዓት ዝምላአ ፎርም ደብዳበ መጺኒ። ግድን ድዩ ክመልኦ ሀለኒ።
መልሲ: ነኖእ, ግን ሓደ ክትመርጽ እንተዘይ ኪኢልካ ባዕልና ከም ንመርጸልካ ክትፈልጥ ኣለካ።
አቲ ባዕልኻ ትመርጾ ሃልኪ ኣብቲ ፎርም ዘሎ ምርጫ ዝኸበረ ምኻኑ ክትፈልጥ ኣለካ።
ንዝኣተኻዮ ውዕል ናይ 1, 2 ወይ 3 ዓመት ንምቕያር ክትፈርሕ የብልካን።
ገዛ ክትቕይር ምስ ትደሊ ነቲ ውዕል ንምስራዝ ክትሕብር ኣለካ።

Informationsverige.se

Övriga länkar

ዝበለጸ ሓበሬታ