Faxeholmen AB

ኣብ Faxeholmen AB ብተደጋጋሚ ዝሕተቱ ሕቶታት።

 

ናይ ክራይ ገዛ መዓስ ይመጽእ?
ኣከባቢ ዕለት 15 ሽተ ናይቲ ወርሒ።

መኽፈሊ ናይ ክራይ (hyresavi) ኣይመጸኒን፣ከመይ ክገብር ኣለኒ?
ነዓና ተወከሱና፣ 027072950 ብምድዋል፣ሓገዝ ምስትደልዩ።

ብኸመይ ኣገባብ ክራይ ገዛ ክኸፍል ይኽእል?
ብመንገዲ ባንክጅሮ፣ኣውቶጅሮ ወይ ኢንተርነትባንክ ክትከፍሉ ትኽእሉ።

ኣነ ክሃቲት ተደልየ ብዛዕባ ክራይ ገዛ ፣ንመን ይሓት ኣነ?
ንናይ ቁጠባክፍሊ 027072950 ብምድዋል።

እንታይ ክገብር ኣለኒ ኣብ ዉሽጢ ገዛይ ዝተዓራረ ምስዝህልወኒ?
ብ ቁጽሪ ተለፎን 027072950 ወይ ብ ኢ-ሜይል felanmalan@faxeholmen.se ዘሎ ጸገም ክትሕብሩ ትኽእሉ፣ዝተሰብረ ወይ ዝተዓራረ ንብረት ምስዝህልወኩም።

ደቀቅት ባልዕ ኣርማዲዮይ ምስ ዝገብር፣ እናታይ ኪገብር ኣለኒ?
ብ ቁጽሪ ተለፎን 0270429429 ናብ anticimex ደውሉ።

ጎረቤተይ ድምጺ ዓው ኣቢሉ ዝዘናጋዕ ተኾይኑ፣ንመን ይሕብር ኣነ?
ካብ ሰዓት 16:00 ተተረቢሽካ 027072950 ብምድዋል ናይ ድሕነት ኣባላት ትረክብ። እንተ ደኣ ብናይ ስራሕ ሰዓታት ኮኑ እቲ ረብሻ ብ 027072950 ብምድዋል ተወከሱና።

መዐሸጊ መኪናይ መን ኣተክሮ ይገብረሉ?
ናይ መኪና መዐሸጊ ቦታ ኣብትካረየሉ ግዜ ባሊኻ ኣተኩሮ ናይ ምውሳድ ሓላፍነት ኣለካ። ጋራጅ እንተ ተኻሪኻ በበረድ ግዜ ብጽፈትን በረድ ካብቲ ኣፍደገ ማዕጾ ፍርቂ መተር ተጽርዮ ሃላፍነት ኣለካ።

ከመይ ገረ ከሐድሶ እኽእል ናተይ ገዛ?
ቅድሚ ምሕዳስ ገዛ ምጅማርካ ን Faxeholmen ተወከስ። ካባና ሓብረታ ትረኪብ እንታይ ከተማልእ ከምዘለካ ብዛዕባቲ። ገዛ ከምኡዉን ኪንደይ ክፍሊት ትኸፍል ንስኻ።

ከመይ ገረ ኣብ ናይ ገዛ መስርዕ ይስራዕ?
ኣብቲ ናትና ወብሳይት ብምእታው፣ ”ställ dig i kö” ዚብል ሩቡዕ ኩርናዕ ጠዉቁ ብድሕሪኡ ነቲ መምርሒ ተኸተሉ። ኩሉ ምስ ወደእካ ኣባና ሙዝጉብ ትከዊን ቡኣኡ መሰረት ከኣ ነትቢ ክትእክብ ትጅምር። ብዝተካእለ መተን እተወሓደ ሓደግዜ ኣብ 12 ወርሒ ክትቆጻጸሮ ወይ ክትከፍቶ ኣለካ።

ኣብ መስርዕ ንክስራዕ ታይ ከማልእ ኣለኒ?
ንስኻ 17 ዓመት ክትመልእ ኣለካ ከምኡዉን ናይ ስወደን 4 ቁጽሪ ክህልወካ ኣለዎ።

ናይ መእተዊ ኣድራሻይ ረሲዐዮ፣ እንታይ ክገብር ኣለኒ?
ኣብቲ ናትካ ገጽ ”glömt inloggning” ዚቢል ጠዉቅ ብድሕሪኡ ነቲ መምርሒ ተኸተሎ።ብተወሳኺ ንስኻ ክትዉከሰና ትኽእል ንዓና ብ ቁጽሪ ተለፎን 027072950 ብምድዋል ወይ ብምብጻሕ ናባና Humlegårdsgatan 2 ሓገዝ ትረክብ ካባና።

ከምቲ ኣነ ዝደልዮ ገዛ ኪረኪብ ይኽእል?
እንተደኣ ንስኻ ብሪጋኻ ገዛ ረኺብካ፣ንሕና ናይ ሊቓሕ ሓበረታ ንወሲድ ከምኡዉን ኣታዊታትካን ዘለካ ዕዳን ንቆጻጸር ቅድሚ ዉዕል ምፍርራምና።

መን ቐዳሚነት ይወሃቦ ደለይታ ናይታ ገዛ ብዙሓት ተኮይኖም?
ካብቶም 5 ገዛ ክሪኡ ዝተዓደሙ Faxeholmen ተካራይ ይመሪጽ በቲ ዘዋህለልዎ ነጥቢ።

ገዛ ክቕይር ወይ ክገድፎ ምስ ዝደሊ ታይ ክገቢር ኣለኒ?
ዝኾነሰብ 6 ወርሒ ክቕመተሉ ኣለዎ ቕድሚ ካልእ ሓዲሽ ገዛ ምድላይ ምጅማሩ።ንሕና ናይ ሚቕያር ዚኾነ መስርዕ የብልናን።ንስኻ ካብ 5 ዓመት ኒታሕቲ ኣብዘለካዮ ገዛ ተተቐሚጥካ ናይ 3 ወርሒ ናይ ሓበረታ ግዜ ኣለካ። ካብቲ ዚነበርካዮ ገዛ ናብ ካልእ ምስ ትቅይር እንተደኣ ካብ 5 ዓመት ንላዕሊ ተቀሚጥካዮ ናይ 1 ወርሒ ናይ ሓበረታ ግዜ ኣለካ፣ኣብ ናይ Faxeholmen ተጊዕዝካ። እቲ ናይ ሓበረታ ግዜ ትነብረሉ ዘለካ ምትሕሓዝ ኣለዎ ምስቲ ትግዕዘሉ ዘለኻ ቦታ። ንኣብነት፣እንተደኣ ግዒዝካ ናብ ካልእ ገዛ 3 ወርሒ ናይ ሓበረታ ግዜ ዘለዎ፣በዚ ሓበረታ መሰረት ተመልክት፣ወላ ዊን ኣብ ዉሽጢ Faxeholmen ይኹን። ምኽንያቱ ምቁራጽ ናይ ገዛ ብዳሕረዋይ ገጽ ናይ ዉዕልካ ወይ ኣብ ናትና ፋይል ተጻሒፉ ኣሎ።

ነቲ ናተይ ገዛ መዓስ ክኣትዎ ይፍቀደኒ?
ክሳብ መጨረሽታ ናይታ ወርሒ፣ንኣብነት መጋቢት 8 ናይ ትገድፈሉ ወረቐት እንተእቲኻ ኩንትራትካ ክሳብ 30 ሰን ይጸኒሕ።

ናይ መጠንቀቂ ግዜ ኺንደይ እዩ?
ከምቲ ሕጊ ዘመልክቶ 3 ወርሒ እዩ ፍሉይ ዝኾዊን ተኻራይ ናብ መለይ ቦታ ምስ ዚውሰድ ወይ ሞት ምስዘጋቲም ወይ ዉን ትህቲ 24 ዓመት ምስዝኮዉን ናይ 1 ወርሒ ገደብ ግዜ ኣለዎ።

ከመይ ገረ የጠንቂቅ ኣነ ሞት ምስዘጋጥም?
ናብቲ ገዛ ክታቱ ከለኻ ብጽሑፍ መሰረት ናይቲ ንብረት ወናኒ ወይዉን ወኪል ናይ ወናኒ ንብረት ክትገዲፍ ይኽእል።

ኣብትሕተይ ብካልኣይ ኢድ ንኻልእ ከካርይ ይኽእል ዶ?
ኣይፋል፣ብካልኣይ ኢድ ክራይ ኣይንፈቅድን ኢና።

ክትግዕዝ ከለካ ኣመላልኣ ቅጥዒ ዘሪኢ ናይ ስካትቨርከት ፊልም ኣለኩም ኣብዚ። External link, opens in new window.

ከመይ ገረ ናይ ዚርግሐ ኤሌትሪክ ይረክብ?
ተወሳኺ ሓበረታ ንምርካብ ናብ Söderhamn Nära ተወከሱ።

ናይ ቴሌቪዥን ኬብል ደስ ኣይበለኒንዘሎ፣ንመን ይሕብር?
ነቶም ቴቪ ዘከፋፍሉ ትካል ተወከሱ ወይዉን ን Söderhamn Nära ብ ቁጽሪ ተለፎን፣027076610 ደዉሉ።

ኬብል ናይ ቴቪ ምስ ናይ ክራይ ገዛ ዝተጠቃለለ ድዩ?
ብምሉኡ ምስ ናይ ክራይ ገዛ ዝተጠቃለለ እዩ።

ከመይ ገረ ናይ ድሕንነት ኣላርም ይረኪብ?
ናብ ”Omvårdnad direkt” ናይ ድሕነት ኣላርም ንክገብሩለይ የመልክት፣ንተወሳኺ ሓበረታ ኣብዚ ተመልከቱ። External link, opens in new window.

 

ኣብዚ ብምጥዋቕ ናብ ፋክሰሆልመን Faxeholmen ዌብ ሳይተን ክትኣትዉ ትኽእሉ። External link, opens in new window.