መእተዊ መደብ IM ናይ 2ይ ደረጃ ትምህርቲ

ኣዚ መእተዊ መደብ ብፉሉይ ነቶም ብቑዓት ዘይ ኮኑ ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ዝዳሎ ሃገራዊ መደብ አዩ። መእተዊ መደብ IM ሓሙሽተ ክፋላት ኣለዎ፣ ዕላምኡ ከኣ ተማሃሮ ብቑዓት ኮይኖም ንስራሕን ንቤት ትምህርቲ ሞያን ምቕራብ አዩ።

Preparandutbildningen (IMPRE)
ምድላው ኮርስ

Programinriktat individuellt val (IMPRO)
መደብ ግላዊ ምርጫ የተኩር

Yrkesintroduktion (IMYRK)
መእተዊ ስራሕ

Individuellt alternativ (IMIND)
ውልቓዊ ምርጫ

Språkintroduktion (IMSPR)
ምእተዊ ቓንቓ

ዝተፈላለዩ ሕቶታትን መልስታቶምን ብዛዕባ ቤት ትምህርቲ Staffanskolans ንIM ተማሃሮ፣

ተማሃራይ፣ መማህርተይ ናብ ንጥፈታት ምስ ዝኸዱ ኣነ ኣብ ገዛይ ኮፍ ይብል። ናይ ቤት ትምህርቲ ንጥፈታት ስራሕ ኮይኑ ስለ ዘይስመዓኒ።
መልሲ፣ ሰሙናዊ ናይ ስፖርትን ካልኦት ንጥፈታትን ብናይ ቤት ትምህርቲ ሕጊ ግዴታ ይፍጸም።

ተማሃራይ፣ ኣብ ናይ ግሩፕ ስራሕ ብውልቀይ ክሰርሕ ይመርጽ። አቲ ዝበለጸ ከኣ ይመስለኒ።
መልሲ፣ ንይ ሓባር ስራሕ ናይ ቤት ትምህርቲ ስራሕ አዩ ሞ ኩሉ ተማሃራይ ከኣ ክሳተፎ ኣለዎ።

ተማሃራይ፣ ኣብ ግዜ ስፖርት ምስ ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ክሰርሕ ይደሊ።
መልሲ፣ ክፍለ ግዜ ስፖርት መባአታ ኣተሓናብሳ የጠቓልል፣ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ብዘይ ኣፋላላይ ብሓባር የሳትፍ።

ተማሃራይ፣ እግረይ ተቖንዝየ ናይ ስፖርት ክዳነይ ረሲዐዮ ስፖርት ክሰርሕ ኣይክእልን አየ።
መልሲ፣ ንስካ ኩሉ ግዜ ኣብ ናይ ስፖርት ግዝያት ክትርከብ ኣለካን ምስ መምህር ናይ ስፖርት ከኣ ክትዛራረብ ኣለካ።

ተማሃራይ፣ ሕጋጋት ካብ ክላስ ንዘብኮረ ተማሃራይ እንታይ እዮም፧
መልሲ፣ ኩሉ ግዜ ኣብ ክፍለ ግዝያት ክትሳተፍ ኣለካ፣ ኣብ ግዜኻ ምርካብ ከኣ ብመምህርካ ይሕበር።

ተማሃራይ፣ ኣብ ክፍለ ግዜ መኣስ ቴለፎን ክትጥቐም ኣለካ፧
መልሲ፣ ቴለፎን መኣስ ክትጥቐም ኣለካ ወይ የብልካን ብመምህርካ ይውሰን።

ተማሃራይ፣ ባጅላ ወይ ዲፕሎም መዓስ አየ ዝወስድ፧
መልሲ፣ ኣብዚ ናይ IMSPR ዝተፈላለዩ ደረጃታት ተማሃር ኣለካ። ኩሎም ስደተኛታት ኣብ ስሉሰን (Slussen) ይጅምሩ።

ኣብ 1ይ ደረጃ ተጽንዕ (SVA) ክሳብ 3ይ ክፍሊ
ኣብ 2ይ ደረጃ ተጽንዕ (SVA) ክሳብ 6ይ ክፍሊ
ኣብ 3ይ ደረጃ ተጽንዕ (SVA) ክሳብ 9ይ ክፍሊ

ተማሃራይ፣ ደረጃ ትምህርቲ መዓስ ክሰግር ይፍቀደኒ፧
መልሲ፣ ብደረጃ ፍልጠት ተማሃሮ ናይ (SVA) ክፍለ ግዜ ምስ ተወድአ ክሰግር ይከኣል። መገምገሚ ብዝሒ ዝተወድአ መጻሕፍቲ ወይ ወረቓቕቲ ዘይ ኮነስ ተማሃሮ ብዝሕዝዎ ብቕዓት አዩ ዝምዘን።

ተማሃራይ፣ ኣነ መዓስ አየ ኣብ ናይ ሃገራዊ መደብ ትምህርቲ ዝጅምር፧
መልሲ፣ ኣብ ናይ ሃገራዊ መደብ ትምህርትን yrkesförberedandeን ክትሓትት ትከል ናይ 8ይ ክፍሊ ምስ ትወድእ ጥራይ እዩ። ኣብ ናይ ስሩዕ ትምህርቲ ድማ 12 ክፍሊ ምስ ትዛዝም ይፍቀደካ። ኣብዚ መደብ እዚ ካብዚ ወጻኢ ቦታ ክትረክብ ኣይከኣልን አዩ። ምስ ርእሰ መማህራን ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ።

ተማሃራይ፣ ክሳብ መዓስ አየ IM ክመሃር፧
መልሲ፣ ክሳብ ወዲ 20 ዓመት ትመልእ ክትመሃር ትኽእል አኻ።

ተማሃራይ፣ ኣነ ባጅላ ወይ ዲፕሎም አንተ ዘይ ብለይ መዓስ IM ይውድእ። እንታይ ከ ሳዕቤን ኣለዎ።
መልሲ፣ ሓበሬታ ካብ ረእሰ መማህራን ክወሃበካ አዩ።

ተማሃራይ፣ ብዛዕባ መጻእየይን ትምህርተይን ሕቶ ምስ ዝህልወኒ ምስ መን ይራኸብ።
መልሲ፣ ኣብ ሰዓታት ስራሕ ናይ IM ኣብ ዝመረጽካዮ ግዜ ምስ ርእሰ መማህራን ክትራኸብ ትኸል።

ተማሃራይ፣ ኣነ መዓስ ሓገዝ ገንዘብ (CSN) ይረክብ።
መልሲ፣ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካን ምሉአ ሰዓታት ተተማሂርካን ሓገዝ ገንዘብ (CSN) ቐጥታ ክትረክብ ትኽእል። ካብ ዝኾነ ኣታዊ ተዘይ ብልካ ተወሳኺ ሓገዝ ንምርካብ ባዕልኻ ትሓትት። ሓገዝ ገንዘብ (CSN) ክትረክብ እንተ ደኣ ደሊኻ 100% ኣብ ትምህርትኻ ክትርከብ ኣለካ። ብዙሕ ብኩራት ምስ ዝህልወካ ግን ክትምንጠል(ክተርፍ) ይኽእል እዩ።

ኣብዚ ኣንብቡ ብ ትግርኛ ብዛዕባ መእተዊ መደብ IM ናይ 2ይ ደረጃ ትምህርቲ። External link, opens in new window.