ኮምፒተርን ምሕታምን

ኣብ ቤት ንባብ ብነጻ መስመር ኢንተርነት ትጥቀም። መስመር ኢንተርነት ነትሎን (Netloan) ይበሃል። በቶም ኣብ ካርድኻ ዘለዉ ቑጽርታት ተጠቒምካ ድማ ኣቲኻ ኣገልግሎት ትረክብ። ኣብ ቤት ንባብ ብዙሓት ኮምፒተር ብነጻ ክትጥቐመሎም ትኽእል ኣለዉ።

ግዜ ንምሓዝ ድማ አቲ ኣብ ካርድኻ ዘሎ ቑጽርን ፓስዎርድን የድልየካ። ኣባላት ቤት ንባብ ከመይ ጌርካ ከም ትጥቐም ከርእዩኻ እዮም።

ሰራሕተኛታት ሰነዳት ክትሓትም ወይ ኮቢ ኪትገብር ምስ ትደሊ ይሕግዙኻ። ካብ USB ሜሞሪ ወሲድካ ክትሓቲም ትኽእል። ካብ ተንቀሳቃሲት ተለፎን ብቀጥታ ክትሓትም ትኽእል። ነዚ ክትገብር ሓደ Princh ዝበሃል ኣፕሊኬሽን የድሊየካ። ነብሲ ወከፍ ኮቢ ወይዉን ሕትመት 2ክሮና ዋግኡ። ኮቢ ወይ ሕትመት ብሕብሪ ተደሊኻ 4ክሮና ዋግኡ። ኣብቲ ናይ ሓበረታ ቦታ ብካሽ ወይዉን ብካርድ ክትከፍል ትኽእል ንስኻ።

ብተወሳኺ ፋክስ ክትሰድድ ምስ እትደሊ ሓገዝ ትረኪብ ካባና። ንነብሲ ወከፍ ገጽ ናይ ፋክስ 5 ክሮና ኣብ ዉሽጢ ሽወደን 10 ክሮና ካብ ሽወደን ወጻኢ። ንስኻ ሰነዳት ክትቀድሕን ናብ ኢ-ኣድረስ ክትሰዲድን ትኽእል። ክትቀድሕ ብነጻ ትኽእል። ካብ ሰራሕተኛታት ሓገዝ ትረኪብ።

ተወሳኺ ሓገዝ ምስ ትደሊ ብዛዕባ ኮምፕዩተር፣ሞባይል ተለፎን፣ታብለይት ኣይፓድ ወይ ኢንተርነት ዝተታሓሓዘ ዝኣመሰሉ ካብ ክፍሊ ድጅታል ኣብ ቤት ንባብና ሓገዝ ትረክቡ። ቆጸራ ትሕዝሉን ትኣትዉሉን ግዜ ኣለኩም። ንዝበለጸ ናይ ድጅታል ሓገዝ ሓበረታ ኣብ ቤት ንባብና ገጽ ኣንብቡ።