ቤት ንባብ

ቤት ንባብ ንኩሉ ክፉት አዩ።

ናብ ቤት ንባብ ክትመጽእ ትኽእል ዶ ንምንባብን ምልቃሕን መጻሕፍትን ጋዜጣን ብቡዙሓት ዝተፈላለዩ ቓንቓታት ዝተሓትሙ።

ከም ተወሳኺ ኮምፒተር፡ ፊልምን ሙዚቓን ክትልቓሕ ትኽእል ኢኻ። መጻሕፍቲ ምልቓሕ ቓንቓ ሽወደን ንምምላኽን ሓበሬታ ብዛዕባ ሽወደን ንምርካብን ናይ ማንጃ ፍቓድ መጽንዕን ናይ ዛንታታት መጻሕፍቲ ብቕልል ዝበለ ቓላት ዝሕተምን ይጠቕመካ።

ኣብ ቤት ንባብ ሓደ ክፍሊ ንምሓዝ ናይ ግዜ ቕጸራ ትገብር። ኣባላት ቤት ንባብ ክተሓባበሩኻ አዮም። ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ድማ ትግልገለሉ።

ኣብ ቤት ንባብ ሓደ ዝተጠንጠለ ናይ ሓበሬታ ሰሌዳ አንታይ ኣሎ ኣብ ሰደርሃምን ተንብበሉ ብዛዕባ ትያትርን ሙዚቓን ዝሕብር ።

ኣብ ቤት ንባብ መዓልታዊ ብዙሓት ሰባት ይእንገዱ። ብዙሓት ድማ ሓገዝ ካባና ይረኽቡ። ንሕና ብዙሕ ዕማማት ንበጻሕትና ስለ ነአንግድ ነቲ ናይ ኢሚግረሽንን (Migrationsverket) ሲኤስኤንን (CSN) ካልእ ተመሳሳሊ ፎርም ክንመልእ ኣይንኽእልን ኢና። ከም መማህራን ክንከውን ውን ኣይንኽእልን ኢና።