ምእለይ ኣረጋውያን

ካብቲ ኣብ ገዛኻ ኮይንካ እትረኽቦ ሓገዝ ናይ ኣለይቲ ንላዕሊ ዘድልየካ ተኾይኑ ኣብ ምእለይ ኣረጋውያን (äldreboende) ክትቕመጥ ትኽእል ኢኻ።

ሓደ ወኪል ካብ ምምሕዳር ብዛዕባ ድሌታትካ ብምጽናዕ ኣብ መንበሪ ኣረጋውያን ንክትቕመጥን ኣብ ገዛካ ንክትጸንሕን ውሳነ ይሕልፍ።

ኩሎም ምእለይ ኣረጋውያን ለይትን መዓልትን ኣባላት ኣለውዎ። ከምኡ ውን ኣለይቲ ሕሙማት ነርስ ኣብ ኩሉ ምእለይ ኣረጋውያን ኩሉ ግዜ ኣለዉ።

ኩሉ ክፍልታቶም ድማ መስመር ቴሌፎን፡ ቲቪ፡ ናይ ሓደጋ ኣላርምን ዓራትን ኣለዎ። ካልእ ተወሳኺ ንብረት ምስ ትደሊ ግን ናይ ግልኻ ድሌት ኮይኑ ባዕልኻ ትገዛሉ።

ኩሎም እቶም ኣብ መእለይ ኣረጋውያን ዝቕመጡ ክራይ ገዛ ይኸፍሉ ብነጻ ድማ ኣገልግሎትን ምክንኻንን ይረኽቡ። መንበሪ ገዛ ኣረጋውያን ክፍሊት ክራይ ይፈላለ እዩ፡ ብዕብየት ገዛን ክሳብ ክንደይ ሓገዝ የድልዮን ድማ ይፈላለ።

ዝተፈላለዩ ምእለይ ኣረጋውያን ንዝተፈላለዩ ድሌታት ዘለዎም ኣሎ።


ኣገልግሎት ኣብ ገዛ (Servicehus)

ኣብ ናይ ኣገልግሎት ገዛ ዝነብር ሰብ እቲ ብብዝሒ ኣለይቲ ወይ ሓገዝቲ ዘየድልዮ ሰብ እዩ።

ኣገልግሎት ኣብ ፍሉይ ቦታ ብውልቒ (serviceboende)

ኣገልግሎት ኣብ ፍሉይ ቦታ ብውልቒ ዝወሃበሉ ቦታታት ኣብ፡ ብየርክባካ (ዩስነ) Björkbacka (Ljusne), ካስታንየን (ዩስነ) Kastanjen (Ljusne), ሊንደን (በርቪክ) Linden (Bergvik), ኢንሪሰት (ሰደርሃምን) Enriset (Söderhamn) ኦስጎርደን (ሰደርሃምን) Åsgården (Söderhamn) ኣሎ።


ኣገልግሎት ኣብ ፍሉይ ቦታ ብሓባር (Gruppboende)

ኣገልግሎት ኣብ ፍሉይ ቦታ ብሓባር ኣኪብካ ዝእለይሉ ብዙሕ ሓገዝ ወይ ምክትታል ዘድልቶም ሰባት ዝርከብሉ አዩ።

ኣገልግሎት ኣብ ገዝኡ ዝረክብ ተወሳኺ ሓገዝ ዘድልዮ አንተ ደኣ ኾይኑ ኣብ ናይ ሓባር ሓገዝ ዝወሃበሉ መንበሪ ክቕይር ይከኣል አዩ። ኩሉ ግዜ ሰራሕተኛታት ኣብ ጎንኻ ኣለዉ 24 ሰዓት።

ናይ ሓባር ኣገልግሎት ዝወሃቦ ዝርከበሉ ከባቢ ኣብ ኢኩልንዳ (ስኩግ) Eklunda (Skog), ፎሽጎርደን (ኑራላ) Forsgården (Norrala), ሀድባካ (ሰደርኣላ) Hedbacka (Söderala), ብየርክባካ (ዩስነ) Björkbacka (Ljusne), ኤንሪሰት (ሰደርሃምን) Enriset (Söderhamn) ኦስጎርደን (ሰደርሃምን) Åsgården (Söderhamn) እዩ።

 

ኣብቲ ናይ ሓባር ኣገልግሎት ወይ ዝእለይሉ ፍቓድ ዝረክብ ሰብ ናይ ሓንጎል ጸገም ዘለዎ አንተ ደኣ ኮይኑ እዩ።

ፍሉይ ናይ ሓባር ሓገዝ ዝረኽቡሉ (speciella gruppboenden) ውን ኣሎ ንገለ ሰባት ናይ ሓንጎል ጸገም (demenssjukdom) ዘለዎም ንኣብነት ከም ኣልዝሄመሽ (alzheimers sjukdom)። ኣብዚ ብዙሓት ሰባትን ውሑድ ክፍልታት መንበሪ ገዛን ይርከቦ።

እሂ ናይ ፍሉይ ሓባራዊ ሓገዝ ዝረኽብሉ ክፍሊ ዝርከበሉ ቦታ ኢክሉንዳ(ስኩግ) Eklunda (Skog), ኤንሪሰት (ሰደርሃምን) Enriset (Söderhamn), ፉሽጎርደን (ኖራኣላ) Forsgården (Norrala), ሀድባካ (ሰደራላ) Hedbacka (Söderala) ካስታንየን (ዩስነ) Kastanjen (Ljusne)


ሕቶ ምስ ዝህልወኩም በዚ ኣድራሻ ርኸቡና፡
”Omvårdnad Direkt”
ካብ ሶኒ – ዓርቢ 8:00-16:30
ቴሌፎን – 0270-756 56

ተወሳኺ ሌንካር

​ፋርማሲ/ቤትመድሃኒት

መድሃኒት ኣብ ፋርማሲ ኢኻ እትዕድጎ። ገለ መድሃኒታት ካብ ሓኪምካ ፕረስክሪፕሽን የድልዮ። እቶም ኣብ ፋርማሲ ዚሰርሑ ብዛዕባ ሕማምን ኣፋውስን ብዙሕ ይፈልጡ እዮም። ንሓያሎ ሕቶታትካ ኪምልሹ ይኽእሉ እዮም። ኣብቲ ፋርማሲ ንእተፈላዩ ሕማማት ዚምልከቱ ብሮሹራትውን ይርከብ እዩ።