ሰራሕተኛ ገዛ

ሰራሕተኛ ገዛ (Hemtjänst) ነቶም ኣብ ገዞም ኮይኖም ዝእለዩ ኣረጋውያን ዝኣልያ እየን። ኣብ መንበሪ ገዝኡ ዝእለ ዝግበረሉ ሓገዝ ከም ጽሬትን ምሽማትን ምሕጻብ ክዳንን ካልእን ። ከም ተወሳኺ ኣባኻ ዝግበር ሓገዝ ከም ምሕጻብ ሰውነትን ምቕያር ክዳንን መድሃኒት ምሃብን ካልእን ሓገዝ ይግበረልካ። ዝግበረልካ ሓገዝ ከከም ዝወሰደሉ ግዜ ክፍሊቱ ውን ይፈላለ እዩ። ሓደ ሰብ ካብ ምምሕዳር ከተማ ኣየናይ ሓገዝ ክትረክብ መሰል ኣለካን ንኽንደይ ሰዓታት ክትእለን ክንደይ ከም ትኸፍልን ይውስነልካ።

ፎርም መድለይ ሰራሕተኛ ገዛ። External link, opens in new window.

ካልእ ተወሳኺ ዝወሃብ ሓገዝ ክገብሮም ዘይ ከኣለ ከም ኣብነት ምሕጻብ ሰብነት ኣብ ኮፍ መበሊ ስንኩላን ጌርካ ምሕጻብ፡ ብሙርኩስ ምስናይን ኮፍ መበሊ ጨርቂ ምስትኽኻልን ካልእን።

ስንኩላን ካብ ምምሕዳር ሓገዝ ብምጥላብ ከም ምቕይያር ኣቕሑ ኣብ ገዛ ውን ሓገዝ ክግበረሎም ይኽእል እዩ።

 

ሕቶ ምስ ዝህልወኩም በዚ ኣድራሻ ርኸቡና፡
”Omvårdnad Direkt”
ካብ ሶኒ – ዓርቢ 8:00-16:30
ቴሌፎን – 0270-756 56

ተወሳኺ ሌንካር

​ፋርማሲ/ቤትመድሃኒት

መድሃኒት ኣብ ፋርማሲ ኢኻ እትዕድጎ። ገለ መድሃኒታት ካብ ሓኪምካ ፕረስክሪፕሽን የድልዮ። እቶም ኣብ ፋርማሲ ዚሰርሑ ብዛዕባ ሕማምን ኣፋውስን ብዙሕ ይፈልጡ እዮም። ንሓያሎ ሕቶታትካ ኪምልሹ ይኽእሉ እዮም። ኣብቲ ፋርማሲ ንእተፈላዩ ሕማማት ዚምልከቱ ብሮሹራትውን ይርከብ እዩ።