ማእከል መራኸቢ ስድራ ቤት

ማእከል መራኸቢ ስድራ ቤት (Familjecentralen) ወለዲ ምስ ደቆም ካብ 0 ክሳብ 6 ዓመት ንዘለዉን ጡንሳትን ዝእከብሉ ናይ ኣኼባ ቦታ እዩ። ንጥፈታት ብነጻ ኮይኑ ምስጢር ናይ ምዕቃብ ከኣ ዉሑስ እዩ።

ማእከል መራኸቢ ስድራ ቤት ክፉት ናይ ቤት ትምህርቲ መዋእለ ህጻናት (Öppna förskolan)፡ ክፍሊ መወልዳን (barnmorskemottagning)፡ ማእከል ጥዕና ህጻናትን (barnhälsovården, BVC) ናይ ስነ ኣእምሮ ሓኪምን (kurator) ይርከቦ።

ካርታ፣ ሶደርሃመን External link, opens in new window.


 

ክፉት ቤት ትምህርቲ መዋእለ ህጻናት (Öppna förskolan)

እብዚ መጺኦም ቖልዑን ዓበይትን ክጻወቱን ምስ ካልኦት ክራኸቡን ይዕድም። መጻወቲ ንቖልዑ 0-6 ዝዕድሚኦም ኣሎ ከምኡ ውን ኩሉ ግዜ ሓደ ሰብ ዝዛረብ ውን ኣሎ። ወለዲ ወይ ወኪል ቖልዓ ሒዝዎ ዝመጸ ምስ ቖልዓ ክጻወት ኣለዎ።

ናብ ክፉት ቤት ትምህርቲ መዋእለ ህጻናት ንምምጻእ ምምልካት ኣየድልን እዩ። መግብን መስተን ንዝተማልአ ፍርጅን መውዓይን ድልው ኣሎ። ንዓበይቲ ቡን ሻሂ ፓኒኖ ንሸይጥ ኢና ንቖልዑ ግን ብነጻ እዩ።

እዚ ዝኽፈተሉ ዝተፈላለየ መዓልቲ ንዝተፈላለዩ ዕድመ እዩ።

ኣብዚ ተመልከቱ ዝኽፈተሉ ሰዓታት ኣብ ሶደርሃመን። External link, opens in new window.


ህጻናት ቕድሚ መዋእለ ህጻናት ምጅማሮም ክጻወቱ ይፍቐዶም እዩ ቕድምን ድሕርን ምቕራብ ናብ ማእከል ሕክምና ህጻናትን (BVC) መወለዳንን (barnmorskemottagning) እንድሕር ሓደ ወኪል ምስኦም ዝሪኦም ኣሎ ኮይኑ።

ኣብ ክፉት መዋእለ ህጻናት ሓገዝ ክትረኪብ ትኽእል ናይ ክንክን ቆልዑ።

 

ክፍሊ መወልዳን (Barnmorskemottagningen)

ክፍሊ መወለዳን ኣብ ግዜ ጥንሲ ይከታተልን ንናይ ወሊድ ጊዘ ይቐራረብን ምኽሪ ብከመይ ወለዲ ትኸውንን ይዕድም። ምርመራ ጥንስን ምኽሪ ብዛዕባ መከላኸልን መርመራ ጸታዊ ርክብ ተላገብቲ ሕማማትን ትራይ ውን ክትገብር ይከኣል እዩ። እዚ ድማ ብነጻ ኮይኑ ቖጸራ ክትገብር ግን የድልይ።

 

ሓኪም ስነ ኣእምሮ (Kurator)

ሓኪም ስነ ኣእምሮ ምኽሪ የዳሉን ነቶም ወለዲ ዝኮኑ ሓሳባዊ ትምህርቲ ይህብን ወለዲ ምስ ደቖም ካብ 0-6 ዝዕድሚኦም ኣብ ምምሕዳር ሰደርሃምን ይዕድም።

ትገብርዎ ርክብ ብነጻ ኮኢኑ ምስጢር ናይ ምዕቓብ ሓላፍነት ድማ ዘለዎ።

 

ማእከል ጥዕና ህጻናት (Barnavårdscentralen)

ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንህጻናት ብድሌትን ብነጻ ኮይኑ ኣብ ሕክምና ኣብ ዝቐረበሉ ግዜ ጥዕናዊ ዝርርብን ምዕባለዊ ለውጢ ግምገማን ይግበረሉ።ማእከል ጥዕና ህጻናት ንስኻ ባዕልኻ ኣብትደሊዮ ክትመርጽ ትኽእል።

ካርታ፣ ማእከላት ጥዕና ህጻናት External link, opens in new window.

 

ካብ 0 ክሳብ 6 ዓመት ዝርከቡ ህጻናት ብሃገራዊ መደብ ብምግባር ምንክብኻብ ዝግበረሎም እዩ።

ርክብ ምስ: ነ = ነርስ; ዶ= ነርስ ምስ ዶክተር

1-3 ሳምንቲ: ነ, ቕዳማይ ርክብ ምስ ማእከል ጥዕና ሕጻናት (första kontakt BVC). ሓኪም ኣብ ገዛኻ ምብጻሕ (hembesök)
4 ሳምንቲ: ዶ, ሕክምናዊ መርመራ (läkarundersökning)
6-8 ሳምንቲ: ነ, ምኻድ ናብ ማእከል ጥዕና ሕጻናት (BVC-besök)
3 ኣዋርሕ: ነ, ክታበት (vaccination)
5 ኣዋርሕ: ነ, ክታበት (vaccination)
6 ኣዋርሕ: ዶ, ሕክምናዊ መርመራ (läkarundersökning)
8 ኣዋርሕ: ነ, ሓኪም ኣብ ገዛኻ ምብጻሕ (hembesök)
10 ኣዋርሕ: ነ, ምኻድ ናብ ማእከል ጥዕና ሕጻናት (BVC-besök)
12 ኣዋርሕ: ዶ, ሕክምናዊ መርመራ (läkarundersökning), ክታበት (vaccination)
18 ኣዋርሕ: ነ, ክታበት (vaccination)
2,5-3 ዓመት: ዶ, መርመራ ኣዘራርባ ህጻን (tal-och språkbedömning), ሕክምናዊ መርመራ (läkarundersökning)
4 ዓመት: ነ, መርመራ ናይ ዓይንን እዝንን (syn- och hörselundersökning)
5 ዓመት: ነ, ክታበት (vaccination) , ዝርርብ ባይ መወዳእታ ርክብ (avslutande samtal)


ሓበረታ ብዛዕባ ናይ ቤት ትምህርቲ ክንክን ጥዕና.

ተወሳኺ ሌንካር

​ፋርማሲ/ቤትመድሃኒት

መድሃኒት ኣብ ፋርማሲ ኢኻ እትዕድጎ። ገለ መድሃኒታት ካብ ሓኪምካ ፕረስክሪፕሽን የድልዮ። እቶም ኣብ ፋርማሲ ዚሰርሑ ብዛዕባ ሕማምን ኣፋውስን ብዙሕ ይፈልጡ እዮም። ንሓያሎ ሕቶታትካ ኪምልሹ ይኽእሉ እዮም። ኣብቲ ፋርማሲ ንእተፈላዩ ሕማማት ዚምልከቱ ብሮሹራትውን ይርከብ እዩ።