ጥዕና ስደተኛታትን ወይ ሓተቲ ዑቅባ

ጥዕና ስደተኛታትን ወይ ሓተቲ ዑቅባ ኣብ ዞባ ያቭለቦሪ (Gävleborg) ንኩሎም ንሓተቲ ጽግዕተንነትን ስደተኛታትን ናይ ጥዕና ምርመራ ክገብረሎም ሓላፍነት ኣለዎ ነቶም ናብ ያቭለ ቦሪ ዝመጹ።

እቶም ኣብዚ ሕክምና ዝምርመሩ ሓተቲ ዕቁባ፡ ቖልዑ ትሕቲ 18 ዓመት፡ ስድራቤት ናይ ስደተኛ፡ ኣፍቓሪት ስደተኛ፡ ንስራሕ ዝመጹ ስደተኛታት፡ ንትምህርቲ ዝመጹ ስደተኛታት፡ መንነት ዘይ ብሎም ስደተኛታት፡ ናይ ቱሪስት ቪዛ ዘለዎም ካብ ሰለስተ ወርሒ ንላዕሊ ንዝጸንሑ በጻሕትን እዮም።

እቲ ሕክምናዊ ምርመራ ኣገዳሲ እዩ ነቲ ሕሙም ሕማሙ ንምርካብን ንከየመሓላልፍ ምኽልካሉን ንኹሉ ናይ ካልኦት ሕማማት መከለኸሊ ምኽታብን ይጠቕም። ከም ተወሳኺ ውን ሕክምናዊ ምኽሪ ከመይ ገሩ ኣብ ከባቢኡ በቲ ሕማሙ መሰረት ሕክምናዊ ረዲኤት ይረኪብ።

ሕክምናዊ ኣገልግሎት ብነጻ ኮይኑ ናይ ኣውተቡስ መጋዓዝያ ውን ይግበረልካ ኣብ ውሽጢ ዞባዊ ያቭለ ቦሪ (Region Gävleborg)።

ተርጎምቲ ኩሉ ግዜ ኣለውና ንበጻሕትና ባኣካል ወይ ብቴለፎን።

ኣብዚ ብዛዕባ ማከል ጥዕና ብትግርኛ ሓበረታ ኣለኩም! External link, opens in new window.

ካርታ: ጥዕና ስደተኛታትን ወይ ሓተቲ ዑቅባ. External link, opens in new window.

ተወሳኺ ሌንካር

​ፋርማሲ/ቤትመድሃኒት

መድሃኒት ኣብ ፋርማሲ ኢኻ እትዕድጎ። ገለ መድሃኒታት ካብ ሓኪምካ ፕረስክሪፕሽን የድልዮ። እቶም ኣብ ፋርማሲ ዚሰርሑ ብዛዕባ ሕማምን ኣፋውስን ብዙሕ ይፈልጡ እዮም። ንሓያሎ ሕቶታትካ ኪምልሹ ይኽእሉ እዮም። ኣብቲ ፋርማሲ ንእተፈላዩ ሕማማት ዚምልከቱ ብሮሹራትውን ይርከብ እዩ።